ኣይተ ደመቀ ምስ ላዕለዋይ ተፀዋዒ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ምብራቕ ኣፍሪካ ውሕመ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ላዕለዋይ ተፀዋዒ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ምብራቕ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ማርሴል ኣክፖቮን ተዛቲዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ብእትገብሮ ተግባር እቲ ትካል ዝህቦ ደገፍ ብምንኣድ እቲ እወንታዊ ርክብ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ምርመራ ንምግባር ምውሳኖም ኢትዮጵያ ብናእዳ ከምእትርእዮ ገሊፆም።

ብተወሳኺ መነግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘጋጥም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ሓላፍነት ከምዝስምዖ ብምሕባር፥ ውፅኢት ምርመራ ብምቕባል ፈፀምቲ እቲ ተግባር ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዘለዎ ድልዉነት ኣረጋጊፆም።

ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ብምድራኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሃነፅቲ ዘይኮኑ ነቐፌታታት ይገልፁ ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም፥ ውፅኢት እቲ ምርመራ ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ከምዘርእይ እቶም ሚኒስትር ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶም ተግባራት ክብሪ ዝወሃቦ ትካል ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ትካል ኣብ ኣክሱምን ማይ ካድራን ዝነበሩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዝገበሮም ተግባራት ምርመራ ብኣብነት ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ኩነታት ዶብ ኢትዩ-ሱዳንን ከይዲ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰን ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ማርሴል አክፖቮን ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ነዝተገበረሎም ምትሕብባርን ደገፍን አመስጊኖም።

ትካሎም ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ እወንታዊ ርክብ ከምዘለዎ ብምሕባር እዚ ድማ ንዕውትነት ስርሖም እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዓለም ለኻዊ ግዴተኣ ንምውፃእ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ትካሎም ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment