ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኮይኖም ምስ ዝተሸሙን ተፀዋዒ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ሃሚድ ኑሩ ተዛቲዮም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ሰብ ስራሕ ጎንፂታት ከምኡ እውን ከም ድርቂ ዝበሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ዘጋጥሙሉ እዋን መሪሕ ብምዃን እናበርቶ ንዝርከብ ልዑል ሓገዝ ኣመስጊኖም።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2020 ብምዃኑ ዝተሰመዖም ሓጎስ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዝኣተወትሉን ካልኦት ንኹሉ ነገር ፖለቲካዊ ብምግባር ኣስተዋፅኦ ንምግባር ፍቓደታት ኣብ ዘይኮኑሉን እዋን፥ እቲ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባር ዝተፃወቶ ሃናፂ ግደ ኣልዒሎም።
እዚ ንምትግባር ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ዴቪድ ቫሲሊ ዝነበሮም ግደ መሪሕነት ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሃሚድ ኑሩ ብግደኦም፥ ትካሎም ሓላፍነቱ ንምውፃእ ኣብ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እናተገበረሎም ዝርከብ ምትሕብባር ኣመስጊኖም፡፡
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከባ ግቡእነት ዘለወን ትካላት ናይ ቀረባ ምትሕብባር ከምዝተገበረሎም እውን ገሊፆም።
ኣብ ክልል ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ካልኣይ ዙር ተበፃሒ ከምዝተገበረን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሳልሳይ ዙር ቀረብ ሓገዝ ተግባራዊ ከምዝኸውንን ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ እዚ ንምዕዋት እቲ ፕሮግራም ዝህልዎ ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ክልል ሰላም ንምዕሳል፣ መሊስካ ንምጥያሽ ከምኡ እውን ንኹሉ ዘካተተ ልዝብ ንምግባር ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ብመንፅር ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክፍተት ስለዘሎ፤ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!