ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ይሳተፉ ኣለዉ።

“ዳግም ምትእምማን ምህናፅ” ብዝብል ሓሳብ እናተኻየደ ዝርከብ መበል 54 ናይዚ ዓመት ጉባኤ፥ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ዓለም ለኸ ጉዳያት ልምዓት፣ ፈጠራ ቴክኖሎጂ፣ ክሌማዊ ለውጢን እዋናዊ ጉዳያት ድሕንነትን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝገበሩዎ ተሳትፎ ብተወሳኾ ምስ መራሕቲ ሃገራትን ሓለፍቲ ትካላትን ተዛቲዮም።

ምስ ምክትል ፕሬዝዳንት ታንዛኒያ ፊሊፕ ምፓንጎ ኣብ ዝነበሮም ዘተ÷ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከበሉ እዋናዊ ኩነታ ዘብርሁ እንትኾኑ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ከምዝርከብ ገሊፆምሎም።

ምክትል ፕሬዝደንት ታንዛኒያ ፊሊፕ ምፓንጎ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ተፋሰስቲ ሃገራት ሃፍቲ ማይ ሩባ ኣባይ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ንኸዓስል ሃገሮም ትገብሮ ፃዕሪ ከምትቕፅል ተዛሪቦም።

ኣብ ግድብ ህዳሴ ዘለዉ ኣፈላላያት ብልዝብ ነንኽዕፀዉ እናተኻየደ ዝነበረ ሰለስተኣዊ ድርድር ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ሓለዋ ኣእምሮኣዊ ንብረት ዓለም ዳረን ታንግ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ÷ ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ዘለዋ ምትሕብባር ክጠናኸር ኣብ ዝኽእለሉ ጉዳያ ዘቲዮም።

ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልውቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣይተ ደመቀ ነቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ ዘቕረቡሎም ዕድመ ተቐቢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ዳረን ታንግ ትካል ሓለዋ ኣእምሮኣዊ ንብረት ዓለም ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment