ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ዝተመርሐ ልኹ ተዛቲዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ጉዳይ ሰለስተኣዊ ድርደድር ግድብ ህዳሰን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ 86 ሚኢታዊ ማይ ተበርክት ሃገር ምዃና 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ዜጋታታ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘይምርካብ ኣብ ውሽጢ ፀልማት ዝነብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ግድብ ድማ ኣብ ፀልማት ዝነብር ህዝባ ብርሃን ንኽክብ ተሓሲቡ ዝስራሕ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኢዮም ዝገለፁ፡፡

ሩባ ኣባይ ብፍትሓዊን ማዕርነትን ኣብ ረብሓ ምውዓል ሉኣላዊ መሰል ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ንታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራትናይ ምጉዳእ ድሌት ከምዘይብላ ኣገንዚቦም።

ካብ ሱዳንን ግብፂን ዝለዓሉ ስግኣታት ንምፍታሕ ሰለስተኣዊ ድርድር እናተኻየደ ምፅሑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ንዝለዓሉ ጉዳያት ብድርድር መፍትሒ ንኽረክቡ ብቆራፅነት እናተሳተፈት ከምዝፀንሐት እውን ኣብሪሆም፡፡

ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ሓደ ኣካል ህንፀት እቲ ግድብ ከምዝኾነን ከም ኣሜሪካ ዝበላ ፈተውቲ ሃገራት ዝካየድ ድርድር ንኽዕወትን ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት ዘሎ ርክብ ከይሕርፍፍ ንዝገብሩዎ ፃዕሪ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment