ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዑደት ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ሚኒስትር ዴኤታ ታረቀኝ ቡሉልታን ተረኺቦም።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዘሰናደኦን ካብ 28 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም እናተኻየደ ዝፀንሐ “ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ 2015” ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ሃገር ለኸ ኤክስፖ መሪቖም ምኽፋቶም ይዝከር።

ኣብቲ ኤክስፖ 124 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ፍርያቶምን ኣገልግሎቶምን ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment