ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ኢትዮጵያ ኣብ ዱባይ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዱባይ ዑደት ገይሮም።

ኣይ ደመቀ መኮንን ኣብ ዑደቶም÷ እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ንዜጋታት ዝህቦ ኣገልግሎት፣ መሰልን ረብሓን ዜጋታት ንምኽባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ፣ ተሳትፎ ዳያስፖራ ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዓውዲ ቱሪዝምን ንኢትዮጵያ ተጠቃሚት ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ብኣምባሳደር ኣክሊሉ ከበደ ገለፃ ተገይሩሎም፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት÷ መሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዱባይን ሰሜን ኤሚሬታት ምስ ማሕበር ኮሚኒቲ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ኣቡዳቢ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ፌዴሪኢን ማሕበር ኮሚኒቲን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትእስሳር እናሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣይተ ደመቀ ብግደኦም÷ እቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ምስ ማሕበራት ኮሚዩኒቲ ብምውዳድ ረብሓን መሰልን ዜጋታት ንምሕላው እናገበሮ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment