ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ እናተሳለጠ እንትኸውን፥ ኣብቲ ጉባኤ ድማ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ግዚያዊ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ክርሰቶፌ ሉቱንዱላ ከምኡ እውን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንንን ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ጎድና ጎድኒ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ምይይጥ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment