ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኡጋንዳ ኣቲዮም፡፡
ኣይተ ደመቀ ኡጋንዳ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሄነሪ ኦኬሎ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ ኣይተ ደመቀ÷ ሎሚ ኣብ ኡጋንዳ ዝገብሩዎ ዑደት ጀሚሮም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኣብ ኡጋንዳ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ሶማሊያ ሰራዊት ዘበርከታ ሃገራት ከምዝሳተፉ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube