ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ናብ ትግራይ ዝበፅሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ክልል ዓፋር ኬላ ሰርዶ ብምርካብ ተዓዚቦም።
ኣብቲ ዑደት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ተረኺቦም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኹ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቅልጣፍ ኣብ እናገበሮ ዘሎ ኹለ መዳይ ፃዕሪ፤ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንጥፍኣት ዕላማ ክጥቀመሎም ዝኽእል ኣቑሑት ከይሓልፉ ብትኹረት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ብምኽንያት ወረራ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ 1 ሚሊየን ተመዛበልቲ ህዝቢ ዓፋር ሒዙ፤ መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ እናገበሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ነዚ እዉን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ሽማግለ ዓድታት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ካልኦት መራሕቲ ማሕበረሰብን ነበርቲ እቲ ክልልን ክምስገኑ ይግባእ ኢሎም።
መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብምኽንያት ሓደጋ ተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ንምሕጋዝ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ኣብራህሪሆም።
ካብዚ እዉን ንትግራይ ዝግበር ደገፍ እቲ ሓደ ምኻኑን ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝበለፀ ንምቅልጣፍ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምስ ትካል ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብዉህደት እናሰርሐ እዩ ኢሎም።
ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ብመዓልቲ ክሳብ 200 ኮንቮይ ተሽከርከርቲ ብሰንዶ ኬላ እኹል ተፍቲሽን ቁፅፅርን ድሕሪ ምክያድ ከምዝለኣኹ ኣፍቲ ዑደቶም ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።
ይኹን እንበር ብዝተገበረ ተፍቲሽ ንዓላማ ጥፍኣት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝዉዕል ካብ ዝተፈቐደ መጠን ነዳዲ ተወሳኺ ነዳዲን ካልኦት ዘይተፈቐዱ ናውቲታትን ንምሕላፍ ፈተናታት ምህላዎም ምዕዛቦም ሓቢሮም።
ሕጊ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጥሕስ ብምዃኑ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ትካላት ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝዛተየሉ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ብሓፈሻ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቅልጣፍ ምስ ዝግበር ኹለመዳይ ፃዕሪ ጎኒ ንጎኒ ኮምሽን ጉምሩክን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ስራሕቲ ግቡእ ቁፅፅር ክትትልን ዘየተፈቐዱ ናውቲታት ክጠናኸር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።