ኣይተ ደመቀ መኮንን ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ምስ ዝተመርሐ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርና ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ኣምባሳደር ባርሊ ሻሮን ምስ ዝተመርሐ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘተኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምክብባርን ሓበራዊ ምርድዳእን ዝተመርኮዘ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ከምዝኾና ብምሕባር ነዚ ምቹው ኩነታት ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምጥቃም ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲታት ፍርያታውነት፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሓበራዊ ምትሕብባራት ንኅጠናኸሩ ብወገን ኢትዮጵያ ለዎም ድሌት ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝረኸበ ሓዱሽ መንግስቲ ከምዝተመስረተ ዝምልከት መብርሂ እውን ሂቦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ መሬት ምስ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ብዝተፃረረ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናተገበረ ዝርከብ ዘይተገበአ ፅዕንቶ ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እስራኤል ሓገዝ ንኽትገብር ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ባርሊን ሻሮን ብግደአን፥ ንዝተገበረለን ገለፃ ብምምስጋን እቲ ሓበሬታ ንመንግስቲ እስራኤል ከምዘመሓላልፋ ተዛሪበን፡፡

እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ዘበናት ምሕዝነት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምርግጋፀን እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment