ኣይተ ደመቀ መኮንን ሰብአዊ ድጋፍ ዝገብሩ ዘለዉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ናይ ኢትዮጵያን ሉዓላዊነት ብዘኽበረ መልክዑ ንክንቀሳቐሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣  19 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሰብአዊ ድጋፍ ዝገብሩ ዘለዉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ናይ ኢትዮጵያን ሉዓላዊነት ብዘኽበረ መልክዑ ንክንቀሳቐሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ ኣብ ሰሜላዊ ክፋል እዛ ሃገር ሰብአዊ ድጋፍ ዝገብሩ ዘለዉ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣጋር ኣካላትን ብሰብኣዊን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ካልኣይ ዙር መብርሂ ሂቦም።

ኣብ እዋን ሰብኣዊ ድጋፍ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ቀንዲ ተሓታቲ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ጉጅለ ኢዩ፤ ዓለም ለኸ ትካላት ግን መነግስቲ ተሓታቲ ምግባር መሪፆም ኢሎም።

መንግስቲ ንዜጋታት ሰላምን ድሕንነትን ቀዳምነት ብምሃብ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እንተወሰነ እውን፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነቲ ውሳነ ከምዝጠሓሰ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ለዕሊ ሰለማዊ ዜጋታት ኣሰቃቂ መጥቃዕቲ ይፍፅም ኣሎ ኢሎም።

ዓለም ለኸ ትካላት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ናይ ዘዜጋታት ድሕንነት ንምሕላውን ሰብኣዊ መሰል ድጋፋት ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ንዘርኣዮ ቆራፅነት ኣፍልጦ ምሃቦም ኣመስጊኖም፥ እቲ ድጋፍ ብዝሓሸ መልክዑ ንክቕፅል ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብምውጋዝን እኩይ ተግባሩ ደው ንከብል ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment