ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ፒተር ሞረርን ተዛቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ብዘለዎ ናይ ነዊሕ እዋን ኣገልግሎት፤ ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ድጋፍ ኣመስጊኖም።

ሰብኣዊ ድጋፍ ብገለልተኝነት ዝወሃብ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብፍላት ትግራይ ይገብሮ መስ ዘሎ መንቅስቓስ ብምትሕሓዝ ናይ ነፈርቲ በረራ ፍቓድ፣ ናይ ጥረ ገንዘብ መጠን ምውሳኽን ደልየት ነዳዲ ብዝመልከት መንግስቲ ድጋፍ ንክደብረሎም ሓቲቶም።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ምስ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ብጥዕና፣ ዘላቒ ልምዓት፣ ዝተፈላለዩ ስድራ ምርካብ ከምኡውን እሱረኛታት ብምጉብናይ ምንቅስቓስ ይገበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ትካሎም መጠን ድጋፉ ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣይት ደመቀ ብግደኦም፥ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ውሽጢ ሃገራት ጣልቃ እንተይኣተወ፣ ብመትከል ሰብኣውነት ልኡኹ ዓሊሙ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም።

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ይገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ድጋፍ ኣብ ትኽክለኛ ድልየትዝተደረኸ ናይ ነዳዲ ይኹን ጥረ ገንዘብ ድልየት ንክማላእ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ መፍትሒ ከምዝህብ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment