ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሶማሊያ ጄምስ ስዋን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ እቲ ዞባ ኣመልኪቶም ሓበሬታ ዝተለዋወጡ እንትኾኑ፥ ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ እውን ዘቲዮም፡፡

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ መረፃ ሶማሊያ ኣመልኪቶም ንኣይተ ደመቀ መኮንን ገለፃ ዝገበሩሎም እንትኾኑ፥ ዘለዉ ተስፋታትን ስግኣታትን እውን ኣልዒሎምሎም፡፡

ኣልሸባብ ኣብታ ሃገር ዘንፀላለዎ ስግኣት ፀፅታን ካልኦት ጉዳያትን እውን ኣብሪሆምሎም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም መንግስቲ ፌዴራል ሶማሊያ እናሰርሖም ዝርከቡ ፃዕሪታት ብምንኣድ ኣብ ቀፃሊ እውን ፀገማት ብልዝብ ንኽፍትሑ ፃዕሪታት ንኽቕፅሉ ትኹረት ገይሮም ምዝታዮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment