ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ምስቶም ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ገሊፆም።

እቶም ፍሉይ ልኡኅ ብግደኦም÷ “ኣሜሪካ ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ንዝካየድ ልዝብ ሰላም ሓገዛ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ” ኢሎም።

ልዝቦም ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ኣጠናኺካ ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment