ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሪታ ላራንጂንሃ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕብርት ኣውሮፓ ዘለፖ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ስሩዕ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ገሊፆም።

ኣድላይነት ብክልቲኡ ወገን ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ልዝብ ዘልዐሉ ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ንዝግበር ኣኼባ ዝገበረቶ ምድላው ዝምልከት ኣብሪሆም።

መንግስቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ኦሮሚያ ሰላም ንምርግጋፅ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ብዝምልከት ገለፃ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምስ ብሄራዊ ምኽክርን ስግግር ፍትሒን ዝተተሓሓዘ መብርሂ እውን ሂቦም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሪታ ላራንጂንሃ÷ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ እናተመሓየሸ ምምፅ ንኢዶም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ንምርግጋፅ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment