ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ተሳናባቲ ምክትል ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ተሳናባቲ ምክትል ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ክዌሲ ኳሪቴይ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ድማ፥ እቶም ኮሚሽነር ኣብማሳደር ጋና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከምኡ እውን ኣብቲ ሕብረት ብምክትል ኮሚሽነር ኮይኖም ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ሞንጎ ጋናን ኢትዮጵያን ዘሎ ፅቡቕ ርክብ ክጠናኸር ከምዝግበኦ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቶም እውን መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኅባር ሕጊ ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ጉዳይ ተረዲኡ ንዝወሰዶ ቅዋም ናእደኦም ገሊፆም።

እቶም ምክትል ኮሚሽነር ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም እዋን ፃንሒት ንዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን፤ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምሕዝነት ከምዝቕፅሉ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment