ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ በዓል ሓደራ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ በዓል ሓደራ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ዘንዋር ኡል ሃቅ ካካር ተዛቲዮም፡፡

እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ክሎስተር እናተኻየደ ዝርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ዝተኻየደ ኢዩ፡፡

ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ብዝበፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ብርኪታት መንግስቲ ዝርከቡ ሓበራዊ ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኤምባሲኣ ኣብ ኢስላማባድ ምኽፋታ ብምፅራሕ ርክብ ኢትዮ-ፓኪስታን ንምጥንኻ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ኢትዮጵያ ምስ ፓኪስታን ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ርክባት ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

በዓል ሓደራ ቀዳማይ ሚኒስትር ካካር ብግደኦም፥ “መንግስታት ፓኪስታንን ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ርክበን ንምድንፋዕ ዘለወን ቆራፅነት ብምጥቃም ሃገሮም ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ስግግር ክእለት ከምኡ እውን ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምትእስሳራ ንምጥንኻር ክትሰርሕ ኢያ” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment