ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሱዳን መዘነኦም ብስልኪ ተዛቲዮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኣሊ ኢል ሳዲግ ኣሊ ብስልኪ ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፥ ምስ ሱዳን መዘነኦም ኣብ ዝገበርዎ ልዝብ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ምሕዝነት ከምኡ እውን ብዘጋጠመ ጎንፂ ብዝሞቱ ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ከምዝገለፁ ኣብሪሆም፡፡

ህዝቢ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ዝተቀደሰ ወርሒ ረመዳን ዘጋጠሞ ጎንፂ ብምህዳእ ናብ ንቡር ሰላም ከምዝምለስ ዘለዎም እምነት ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቀባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment