ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሰብ ሃፍቲ ኣዘርባጃን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሰብ ሃፍቲ ኣዘርባጃን ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምቹው ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት፣ መንግስቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ንዝዋፈሩ ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ዝገብሮ ዘሎ መተባብዒ በዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ሰብ ዋና ኩባኒያታት ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም መብርሂ አመስጊኖም።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን፣ ግብርናን ወዘተ ንምውፋር ባህጊ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ መፅናዕቲ ኢንቨስትመንት ከምዘካይዱ ምግላፆም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣንካራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment