ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ካዛኪስታንን ሰርቢያን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ 24 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ )ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ካዛኪስታንን ሰርቢያን ተዛቲዮም።                                                                                                   

ኣብ ኣዘርባጃን ባኩ ከተማ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ምንቅስቓስ ዘይሻራዊ ሃገራት እናተሳተፉ ዝርከቡ ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልዋ ክልተኣዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካዛኪስታን ካኔት ቱመሽ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ለውጢታት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ንኢዶም

ካኔት ሃገሮም ኣብ ዓቕሚታት ቱሪዝምን ኢንሸስትመንትን ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ውሸጣዊ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም መብርሂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ፀገማት ብዓቕሚ ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕሪታት ናብ ተግባር ዝተኣተወሉ ከይዲ ኣብሪሆም

ምትሕብባ ንግዲን ቢዝነስን ክልቲአን ሃገራት ብዝድለ ብርኪ ምዕባይ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሰርቢያ ኢቪካ ዳቺች ኣብ ዝገበሩዎ ተመሳሳሊ  ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ታሪኻዊ ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ከምዝተመያየጡ ግዜኢ ፀብፂቡ

ካዛኪስታንን ሰርቢያን ኣባላት ምንቅስቓስ ዘይሻራዊ ገራት እንትኾና፥ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻትን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ዲፕሎማሲን ክሰርሓ ኢየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment