ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጋቢ ኣሽክናዚ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናካየዶ ብዛዕባ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንጋቢ ኣሽክናዚ ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተረጋግአ ሰላምን ፀፅታን ንኽህሉ ንምግባር ኣብ ትግራይ ዘዓረደ ዓማፂ ጉጅለ ህወሓት ሒዙ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ቁርፀኛ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ሰለስተኣዊ ድርድር ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ብኣደራዳራይነት ደቡብ ኣፍሪካ እናተኻየደ ከምዝርከብ ገሊፆምሎም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ንመንፀጊ ኬሚካል ዝኾና ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ብመሃብ ከምኡ እውን ጉጅለ ሰብ ሞያታት ብምልኣኽ ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጋቢ ኣሽክናዚ ብግደኦም፥ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ እናተኸታተሉዎ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት እውን ናብ ውፅኢ ከምዝበፅሕ እምነት ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮይኖም ብምሻሞም ድማ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎምሎም።

ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘለወን ዘበናት ዘቑፀረ ታሪኻዊ ክልተኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ከምዝሰርሑ ክልቲኦም ሓለፍቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment