ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ማላዊ ሪፐብሊክ ኣይዘንሀወር መሰካካ ተዛቲዮም።
ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያን ማላዊን ታሪካዊን ዲፕሎማሲያዊን ርከብ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ቀፃሊ አወን ርክበን ንምጥንኻርነ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ንምትሕብባርን ኢትዮጵያ ዘለዋ ድልየት ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ተፈፂሙ ዝብሃል ሰብኣዊ ግህሰት ንምፅራይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ትካል ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መነግስታትን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉ አወን ሓቢሮም።
ነዚ እወንታዊ ተግባር ኣብ ግምት ዘየእተወ ፅዕንቶ ተቐባልነት ከምዘየብሉ መግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።