ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሓጋዚ ኮሚሽነር ላዕልዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሓጋዚ ኮሚሽነር ላዕልዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ራሁፍ ማዙሃ ተዛቲዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታትን ብመጥቃዕቲ ጊጅለ ራዕዲ ህወሓት ቁፅሮም ዝወሰኸ ጉዳይ ተፈናቐልቲን ብዝምልከት ተዛቲዮም።

ኣትረ ደመቀ፥ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብህወሓት ዝበፅሖም ፅዕንቶን ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝስራሕ ዘሎ ሓዱሽ መዓስከርን ሐዚ ዘለዎ ደረጃ ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝሰርሕዎ ገበን ንምሕባእ ዝገብርዎ ፃዕሪ ከምዘተሓሳስቦም ኣይተ ደመቀ ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ኮሚሽነር ብግደኦም፥ ናይ ኣይተ ደመቀ ስግኣት ትኹረት ዝሃብዎን ምስ መንግስቲ ብቕርበት ከምዝሰርሑን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት ብሓባር ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡን ምዝርራቦምካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment