ኣይተ ደመቀ መኮንን መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ መብርሂኦም÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ድሉው ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ልኡኽ መንግስቲ 14 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ክካየድ ኣብ ዝተሓሰበ ዘተ ከምዝሳተፍ አእውን ኣረጋጊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ሉዓላዊነታ ንምሕላውን ግዝኣታዊ ሓድነታ ንምርግጋፅን ኣብ ትወስዶ ስጉምቲ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ከምዘይትቕበል እውን ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ተበፃሒ ንምግባር ምስ ኩሎም ኣካላት ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መብርሂ ዝተሳተፉ ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን መንግስቲ ንሰላም ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ዘለዎ ቆራፅነት ንኢዶም።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment