ኣይተ ደመቀ መኮንን ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ዝተዋደደ ፃዕሪን ምትሐብባርን ንኽገብሩ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ኣብ መዳይ ሰላምን ድሕንነትን ዝተዋደደ ፃዕሪን ምትሐብባርን ንኽገብሩ ሓቲቶም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናገበሩዎ ዝነበሩ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ መንግስቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብዝተማለአ መልክዑ ተግባራዊ ንኽኸውን ቆራፅ ከምዝኾነን እቲ ዞባ ንኽረጋጋእ ሃናፂ ግደ ከምዝፃወትን ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ሰርጂዮ ፍራንካ ዳኒዝ ብግደኦም፥ ፀገማት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዓለም ለኸ ኣካላት ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣፅንዖት ሂቦም ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ከመትፃወት ኣባላት እቲ ጉጀለ ልኡኽ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ደመቀ ምስ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ንምዝታይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተረኸበ ጉጅለ ልኡኽ መብርሂ ዝሃቡ እንትኾኑ÷ብኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።

#Ethiopia #AU #UN

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment