ኣይተ ደመቀ መኮንንን ተሰናባቲ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣድሂቦም ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንንን ተሰናባቲ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሚ ጃሚል ኣብዱላህን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን፥ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ርክብ ክልአን ሃገራት ንምጥንኻር ብምስረሖም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኩነታት ኣብ ስዑድ ዓረብ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣመልኪቶም ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ካብ ስደት ተመለስቲ ዘዜጋታት መርሃ ግብሪ መምለሲን እግሪ መትከሊን ዝምልከት ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣምባሳደር ሳሚ ጀሚል ኣብዱላህ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝገበሩዎ ናይ ሰለስተ ዓመት ፃንሒት ስራሕ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ንዝገበሩዎሎም ምትሕብባር ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶ ኣምባሳደሩ ካብዚ ብተወሳኺ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቀፃሊ ንዝገብሩሎም ሰናይ ትምኒት   ምስጋና ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተኸብናዮ ሓሬታ የርድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment