ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ መቅደላ ወረዳ ዝተሰርሑ ፕሮጀክታት ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ መቅደላ ወረዳ ዝተሰርሑ ፕሮጀክታት ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ዋና ከተማ ወረዳ መቅደላ ናብ ዝኮነት ደብረ ዘይት ሎሚ ረፋድ ዝኣተዉ እንትኮን÷ ኣመራርሓታት ዞባን ወረዳን ሓቢሮም ትዕዝብቲ ገይሮም፡፡

ኣብቲ ዑደት ብ 6.1 ቢልዮን ብር ዝተሃነፀ ትካል ጣብያ ጥዕና ደብረ ዘይት ብኣይተ ደመቀ መኮነን ተመሪቁ፡፡

ንቐፃሊ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝተስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ታሪካዊ ቦታትን ዑደት ክገብሩ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ሓላፊ መምርሒ ኮምኒከሽን ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ እያሱ ዮሐንስ ገሊፆም፡፡

ኣብ ወረዳ መቅደላ እናተካየደ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዞባ ደቡብ ወሎ ከም ዝተረኸቡ ካብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት ፡፡

Comments (0)
Add Comment