ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዲፕሎማት ሃገራት ኣውሮፓ ብዛዕባ እቲ ስምምዕነት ሰላም መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዲፕሎማት ኣባላት ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕነት ሰላም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን ብመሰረት እተገበረ ስምምዕነት ብዝምልከት መብርሂ ከምዝሃቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብምጅማርን ዘተባብዑ ተግባራት ከምዝተፈፀሙ ኣብሪሆም።

በቲ ኲናት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን መሊስካ ንምህናፅ መንግስቲ ብዛዕባ ዝሰርሖ ዘሎ ብምግላፅ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ደገፍ ንክገብራ ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment