ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪካ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪካ ሕብረት ኣውሮፓ ኣኒት ዌበርን ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ መርጫ ብሰላም ምዝዛሙ ኣብሪሆም።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ መግባሩ ብምግላፅ፥ ብሕጊ ዝድለዩ ናይቲ መጥቃዕቲ ኣቀነባበርቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝግበር ፃዕሪ ብምንውሑ ህወሓት ንህዝቢ ከምሰብኣዊ ዋልታ ምጥቃሙ ገሊፆም።

በዚ ድማ ህፃናት፣ ሽማግለታትን ሓረስቶትን ናብ ምስላፍ ብምእታዉ መነግሰቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ኣቕርቦት ንክመሓየሽ ከምኡውን ሓረስቶት ኣብ እዋን ክራማት ስራሕቲ ሕርሻ ንክዓሙ ብምሕሳብ በይናዊ ደው ምባል ተዅሲ ውሳነ ምትሕልላፉ ገሊፆም።

ይኹን እንበር እቲ ጁንታ ተክሲ ምቕፃሉ ኣረዲኦም።

ጉጅለ ህወሓት ጎንፂ ምቕፃሉን ህፃናት እንተይተረፉ ኣብ ኲናት ምስታፉ ብምሕባር፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ህወሓት ከም ዝተጎድአ ካብ ምሕሳብ ወፂኡ ብዝገብሮ ዘሎ ተግባሩ ንከውግዞ ሓቲቶም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ኣብ ትግራይ ተፈፂሞም ዝበሃሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ንምምርማር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ትካል ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ብምዃን ምርመራ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊን ፖሊስ ፌዴራልን ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈፀሙ ኣካላት ብምፍላይ ተሓተትቲ ዝገብርሉ ዘሎ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ው.ሕ.መ ውሳነ ሓሳብ ክወፅእ ምግባሩ ህፁፅ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ጭቡጥ ፃዕሪ ዘየገናዘበን ኢትዮጵያ ዘሕዘነን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ኩነታት ጉዳይ ህዳሰ ግድብን ዶብ ኢትዮ ሱዳንን ብዝምልከት እውን ኣብሪሆም።

ፍልይቲ ተወካሊት ቀርኒ ኣፍሪካ ሕብረት ኣውሮፓ ኣኒት ዌበርን ብግደአን፥ ንዝተገበረለን መብርሂ ንኢደን።

ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምትሕሓዝ ዝተጀመሩ ምርመራታት በግዘ ተገዲቦም ዕላዊ ዝግበርሉ ኩነታት ንክቀላጠፍ ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝደሊ እውን ተዛሪበን።

ኣብ ተግራይ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልቅላው ክፍጠር ይኽአል ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለወን ብምግላጽ፥ እዚ ንከየጋጥም ምክባር ከምዘድሊ ምሕባረን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment