ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፍልይቲ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፍልይቲ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ አኔት ዌበር ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዝገብርዎ ዘተ፥ ኣብ ኣንፈት ሰሜን ኢትዮጵያ ኩነታት፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ መገዲታት ምልዛቦም ተገሊፁ።

ኣብተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቖፈ ዘተ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ንምግባር ዝሓዘቶ ትልሚ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣፅንኦት በምሃብ ገሊፆም።

እተን ፍልይቲ ልኡኽ ብግደአን፥ መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን እታ ሃገር ዘጋጠማ ዕንቅፋታት ንምቅላል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢደን።

ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮፓ ኝስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ክብ ንምባል ዘለዎ ባህጊ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment