ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዓለም ለኸ ሚኒስትር ልምዓት ካናዳ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዓለም ለኸ ሚኒስትር ልምዓት ካናዳ ሃርጂት ሲንግ ሳጃን ዘቲዮም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ካናዳን ዘሎ ፅኑዕን ዝፀንሐን ርክብ ንምብራኽ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ብምግባር ተላዚቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ ፖሊሲታት ንግዲን ኢንቨስመንትን ብምጉልባት ንዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ዝረብሑ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ብምፍጣር ኣብ ውሽጢ ሃገርን ቀርኒ ኣፍሪካን ልምዓት ምምፃእ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ካናዳ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ስራሕቲ ልምዓትን ከይዲ ልምዓትን ንክትድግፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን መበል ካልኣይ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኣጀንዳ ተግባራዊ ንምግባር ጠመተ ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

ሃርጂት ሲንግ ሳጃን ብግደኦም፥ ምትሕብባር ልምዓት ኢትዮ-ካናዳ ንነዊሕ ዓማውቲ ዝፀንሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ንምቅፃል ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment