ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ስዊድንን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ትሕብብር ስዊድን ማቲልዳ ኧርንክራንስ ን ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ዝነበረ ጎንፂ ተዛሚዱ ብዛዕባ ዝተወሰደ ተሓታትነትን ምትእምማን ንምፍጣር ብመንግስቲ ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ዘድሃበ ኢዩ።

ብተወሳኺ ብክላስተር ኣብ ዝለምዐ ስርናይን ሕርሻ ከተማን ምዝታዮም ተገሊፁ።

ኣይተ ደመቀ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ስዊድንን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ንዝደሊዩ ዜጋታት ደገፍ ንክግበረሎም ነዝግበር ፃዕሪ ኣመስጊኖም።

መንግስቲ ንዝግበር ደገፍ ምስ መዳርግቲ ትካላት ብምዃን ንምብፃሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዘላቒ ሰላም ንምክረጋገፅ ማሕበረሰብ ዓለም ብመንግስቲ ዝተተለመ ሃገራዊ ዘተን ብብርኪ ቀርኒ ኣፍሪካ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ዝቐረበ ማዕቐፍ ሰላም ክድግፍ ይግባእ ኢሎም።

ህወሓት እውን ካብ ጎንፂ ክዕቀብን ንከይዲ ሰላም ተገዛኢ ክኸውንን ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment