ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣምባሳደራት ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣምባሳደራት ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራትን እዋናዊ ኩነታትን ዘድሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ካንግ ሲዮክ ሂ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ንእትገብሮ ፃዕሪ ደቡብ ኮሪያ ንዝገበረቶ ደገፍ ንኢዶም።

ደቡብ ኮሪያ ዘለዋ ሞዴል ልምዓት ኢትዮጵያ ከምእትንእድ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ካንግ ሲዮክሂ ብግደአን፥ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ብደም ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብሽግግር ቴክኖሎጂን ፕሮጀክት ልምዓትን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ አገንዚበን።

ምስ ኣምባሳደር ጃፓን ኢቶ ታካኮ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ከልቲእን ሃገራት ብመሰረተ ልምዓት፣ ትምህርቲን ልምዲ ልውውጥን ዘሎ ምትሕብባር ንኢዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍን ካልኦት ዛዕባታትን ብዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment