ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ጂሌስ ካርቦኔር ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ባህግዳር ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል ዓስራይ ፎረም ጣና ጎኒ ንጎኒ ኢዩ ተሳሊጡ።

ኣይተ ደመቀ፥ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ይገብሮ ንዘሎ ሰብኣዊ ኣገልግሎት አመስጊኖም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘለዉ ተጎዳእቲ ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ትካል ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ምሕታቶም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment