ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣነሌና ቤርቦክ ብቴሌፎን ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ  ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረ ሕውነት ካብ ዘለወን ሃገራን ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣበ ዘጋጠመ ፈተና መንግስቲ ጀርመን ሚዛናዊ ቅዋም ሒዙ ምፅንሑ አመስጊኖም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቶም ዝገብሮ ዘሎ ተግባራት ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምስ ህወሓት ዘሎ ፀገም ሰለማዊ መፍትሒ ንምምፃእ መንገስቲ ብዙሕ ርሕቐት ምጉዓዙ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ነዚ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣመራርሓ ህወሓት፣ መጥያሽ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ፣ ምስ ኦሉሴጉን ኦቦሳንጆ ዘስራሕ ዘሎ ስራሕ ሓበሮም።

እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ንዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሊዮም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝግበር ሓገዝ መጠን ምውሳኹ እወን ተዛሪቦም።

ኣናሌና ቤርቦክ ብግደአን፥ መነግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢደን።

መንግስቲ ጀርመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ ትካላት ኣብ ምፅጋንን ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፀን።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment