ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞሮኮ ናስር ቦሪታ ተዛቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ዓለም ለኻዊን ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ።
ኣይተ ደመቀ፥ ህዳሰ ግድብ፣ ውጥጥ ዶግ ኢትዮ ሱዳንን ሃገራዊ ምርጫን ኢትዮጵያ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
ብክልቲአን ሃገራት ዝህነፅ ፋብሪካ ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ስራሕ ምእታውን እተን ሃገራት ብቐጥታ ብኣየር ትራንስፖርት ምትእስሳር ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ ፋይዳ ብዝምልከት ገሊፆም።
ብተወሳኺ ሞሮኮ ንዳይሬክተርነት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዝወዳደሩ ዶክተር ኣርከበ ዕቑባይ ደገፍ ከምእትገበር ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞሮኮ ናስር ቦሪታ ብግደኦም፥ ንዝተገበረሎም መበርሂ አመስጊኖም።
ኢትዮጵያ ዶባን ሉእላውነታን ንምኽባር እትገብሮ ፃዕሪ ሃገሮም ከምእትድግፍ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።