ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውሕመ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንገስታት(ውሕመ) ፊሊፖ ግራንዴ ኣብ ጄኔቫ ዘቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩላ ኢትዮጵያ ናብራ ስደተኛታት ንምምሕያሽን ምቹእ ኩነታት ንምፍጣርን ዘኽእል ሽዱሽተ ቃል ኪዳናት ኣብ ምፍፃም ከምእትርከብ ገሊፆም።

ክሌማዊ ለውጢ ምፅዋር፣ ተሳትፎ ዓውደ ውልቀ ምትብባዕ፣ ትምህርቲ፣ ዲጂታል ኮሚኒኬሸን ተበፃሒ ምግባር ካብ መንጎ እቶም ቃል ኪዳናት ተረቋሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም ቃል ኪዳናት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዝነበሮም ኣፈፃፅማ ብዝምልከት አብሪሆም።

ስደተኛታትን ተቐባሊ ማሕበረሰብን ተረባሕቲ ንክኾኑ መንግስቲ ነቶም ቃል ኪዳናት ተፈፃሚ ንክኾኑ ብቑርፀኝነት ይሰርሕ ከምዘሎ መዝራቦም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዴ ብግደኦም፥ ት^ካሎም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽርክና ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment