ኣይተ ዛዲግ ኣብረሃ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ደቡብ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማላይ ሚኒስትር ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ዛዲግ ኣብረሃ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ደቡብ ሱዳን ማይክ ኣይህ ዴንጋ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒትር ዲፕሎማሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምጥንኻር ናብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ዘቕነዐ እንትኸውን÷ ምስዚ ጎድና ጎድኒ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ደቡብ ሱዳን ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ዛዲግ ኣብረሃ ኣብ ጁባ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ደቡብ ሱዳን ዝተዛተዩ እንትኾኑ÷ “ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥንኩር ርክብ ኣለወን” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ደቡብ ሱዳን ኣልቢኖ ቦል ከምዝተዛተዩ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽስፋሕፋሕ ኣብ ስራሕቲ ከባቢን ሓለዋ ተፈጥሮን ከምዝጠናኸር ምግላፆም ካብ ቤት ፅሐፍት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment