ኣይተ ኣደም ፋራህ ናብ ጎንደር ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፖርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ናብ ከተማ ጎንደር ኣቲዮም፡፡

ኣይተ ኣደም ኣብ ጎንደር መዕርፎ ነፈርቲ ቴዎድሮስ እንትበፅሑ÷ ከንቲባ ከተማ ጎንደር ኣይተ ባዩህ ኣቡሃይ፣ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን እቲ ክልል ኣይተ እርዚቅ ኢሳን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ከተማን ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ኣይተ ኣደም ናብ ጎንደር ዝኣተዉ ኩነታት ስልጠና 4ይ ዙር ኣመራርሓ መንግስቲ ንምዕዛብን ኣብታ ከተማ ዑደት ስራሕ ንምግባርን ከምዝኾነ ካብ ኮሙኒኬሽን ከተማ ጎንደር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment