ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ምክትል ሚኒስትር ዲፓርትመንት ዓለም ለኸ ርክብ ኮሚንስት ፓርቲ ቻይና የልዑካን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣብ ቻይና ዝርከብ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ፓርቲ ብልፅግና ምስ ዲፓርትመንት ዓለም ለኸ ርክብ ኮሚንስት ፓርቲ ቻይና ዘቲዩ።

ነቲ ጉጅለ ዝመርሑ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ምክትል ሚኒስትር ዲፓርትመንት ዓለም ለኸ ርክብ ኮሚንስት ፓርቲ ቻይና ሊ ሚንሽያንግ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

ርክብ ፓርቲ ምስ ፓርቲ፣ መንግስቲ ምስ መንግስቲን ህዝቢ ምስ ህዝብን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብዙሓት ሓሳባት ተላዒሎም ዘተ ተገይሩሎም።

ኣብቶም ስትራቴጂያዊ ጉዳያት ምርድዳእ ከምዝተገበረ ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment