ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምድሃብ ምስ ምክትል ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ምስ ምክትል ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ሄይኮ ኒትስሽክ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ሰብ ኣዊ ሓገዝ ምግባር ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣብ እዋናዊ ኩነታት፣ ጉዳይ ልምዓት እቲ ካባቢን ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላምን ኣመልኪቶም ዕዉት ዘተ ምግባሮም ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ጀርመን ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ምክትል ኣምባሳደር ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment