ኣይተ ኣቤ ሳኖ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ትዮጵያ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ኣቤ ሳኖ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ትዮጵያ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተገሊፁ።

ኣይተ ኣቤ ሳኖ፥ ኣምባሳደር ኮይኖም ንዝተሾሙ ነበር ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ባጫ ጊና ብምትካእ ሎሚ መዓልቲ ስረሖም ጀሚሮም ኣለዉ።

ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ባንክኒግዲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተሾሙ ኣይተ ኣቤ ሳኖ፥ ፕሬዚዳንት ኢንተርናሽናል ባንኪ ኦሮሚያ ብምዃን እናገልገሉ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣይተ ኣቤ ንፋና ብሮድካሰቲግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ቅድሚ ሕዚ ካብ ጥሪ 1998 ክሳብ ታሕሳስ 2001 ዓ.ም ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብፕሬዚዳንትነት ኣገልጊሎም ከምዝነበሩ ኣፍሊጦም።

እቲ ሕዚ ዝተውሃቦም ሽመት ድማ ናብ ናይ ቀደም ገዝኦም ከም ምምላስ ገይሮም ከምዝሪኡዎ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ነቲ ባንኪ ይኹን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ሃገር ብዕቱብ ንምስራሕ ከምዝፅዕሩ ኣብሪሆም።

ብታሪክ ኣዱኛ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment