ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣፈፃፅማ ባንኪ ልምዓት ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ መጀመሪያ መንፈቕ ዓመት እዚ በጀት ዓመት ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም፡፡

ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ባንኪ÷ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ተፀዋዕቲ ትካላት ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ተኻይዱ፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ኣሰራርሓ እቲ ባንኪ በቢእዋኑ እናተመሓየሸ ካብ ምምፅኡ ብተወሳኺ ዓቕሚ ፋይናስ እቲ ትካል ጥዑይ ኢዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝነበሩ ፀገማት ብምእራም ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ብምዃኑ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ትኹት ብመሃብ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment