ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴን ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ትካል ገንዘብ ዓለም /ኣይ ኤም ኤፍ/ ክሪስታሊና ጆርጊቫ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ከምኡ እውን ብጎንፂን ድርቂን ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ተመያይጦም፡፡

ኣይ ኤም ኤፍ፤ እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ፅሒፉ፡፡

ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን እናተሳተፈ ዝርከብን ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ዝተመርሐ ልኡኽን ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት እናተዛተየ ይርከብ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment