ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ካናዳ ተዛቲዮም

ኣደስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ካናዳ ኣሕመድ ሁሴን ኣብ ኢኮኖሚ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን፥ መንግስቲ ካናዳ ንልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ዝገብሮ ዝፀንሐን ቀፃልነት ዘለዎን ሓገዝ ንኢዶም፡፡

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር እውን ኣብ ኢትዮጵያ እናተርኣዩ ዝርከቡ ለውጢታት ኣብ ግምት ብምእታው ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ምዕባይ ከምዝግባእ ኣፅንዖት ብመሃብ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ካናዳ ኣሕመድ ሁሴን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ብምንኣድ፤ ሃገሮም ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ሴፍቲኔትን ህንፀት ሰላምን ሓገዝ ከምትገብር ምርግጋፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment