ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ምትሕብባር ልምዓት ዴንማርክ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስተር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ምትሕብባር ልምዓት ዴንማርክ ዳን ጀርገንስ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚን እዋናዊ ኩናታትብ ብምድሃብ መልዛቦም ተገሊፁ።

ኣይተ ኣሕመድ፥ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኣብዛ ሃገር ዝግበሩ ዘለዉ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓሳት ልምዓት፣ ኣብ እግሪ ምትካል ዘለዉ ተግባራትን ብዛዕባ መበል ካልኣይ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ዴንማርክ ንዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ መዳርግቲ ከምዝኾነት ብምሕባር፥ ንኢትዮጵያ አትገብሮ ሰብኣዊ ደገፍ ኣጠናኺራ ንክትቅፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ዳን ጀርገንስ ብግደኦም፥ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓስ እዛ ሃገር እወንታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረ ተዛሪቦም።

ዴንማርክ ንኢትዮጵያ ብሰብኣዊ ሓገዝ፣ መሊስካ እግሪ ንምትካልን ለውጢ ክሌማን እትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

ብተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ዴንማርክ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ንምውፋር ባህጊ ከምዘለዎም ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment