ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ትካል ገንዘብ ዓለም ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ዋና ዳይሬክተር ጉጅለ ሓደ ኣፍሪካን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ትካል ገንዘብ ዓለም ዘቲዮም።

ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን  ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ልኡኻት ኢትዮጵያ ምስ ዋና ዳይሬክተር ጉጅለ ሓደ ኣፍሪካ ትካል ገንዘብ ዓለም ኢታ ማናቶኮ፣  ዳይሬክተር ዲፓርትመንት ኣፍሪካ ኣበበ ኣእምሮስላሴን ምክትል ዳይሬክተር ኣና ሊሳ ፌዴሊኖ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝሰርሑ መራሒ ጉጅለ ልኡኽን ሓለፍቲ ዴስክታትን ተዛቲዮም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ እቲ ትካልን ዘሎ ርክብ ኣብ ዘጠናኽሩ ብፍላይ ብመሰረት ሓበራዊ ማዕቐፍ ጉጅለ 20 ሽግሽግ ዕዳ ወፃኢ ኢትዮጵያ ምክያድ ኣብ ዘኽእል ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ዘተ ብምቅልጣፍ ጭቡጥ ውፅኢት ንክህልዎ ኣብ ቀፃሊ ክፍፅሙ ዘለዎም ጉዳያት ተላዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment