ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ንምምሕያሽ ንእትገብሮ ፃዕሪ መሓዙት ሓገዞም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ንምምሕያሽ ንእትገብሮ ፃዕሪ መሓዙት ኣካላት ሓገዞም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም።

እቶም ሚኒስትርን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ይናገር ደሴን÷ ጎድና ጎድኒ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ምስ ሚኒስትራት ገንዘብ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ኣሕመድን ልኡኾምን ኣብቲ መድረኽ÷ ምስ ዝተመረፁ መሓዙት ኣካላት ልምዓት፣ ለገስቲ፣ ኣለቃሕቲን ሚኒስትራት ገንዘብ ሃገራት ኣፍሪካን ተመያይጦም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዘለዎም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ኣብ ዝቕፅሉሎም ጉዳያትን ኣብ ኩነታት ኣከፋፍላ ልቓሕ ኣድሂቦም ተላዚቦም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዘጋጠሙዋ ብዙሓት ፀገማት ብምፅዋር ኣብ ዛዕባ ብሄራዊ ምምሕያሻት ዝረአዩ ለውጢታት ከምዘመዝገበት ኣልዒሎም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘፈር ኢኮኖሚ ተወዳዳሪ ንምግባር ኣብ ከይዲ ንናይ ወፃኢ ትካላት ክፍቲ ካብ ምግባር ሓሊፉ ዝተሓሰበሉ ድጎማ ነዳዲ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

መሓዙት ኣካላት ልምዓት እውን ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ከይዲ ለውጢ ሽቱኡ ንኽወቅዕን ዘጋጥሙዋ ኢኮኖሚያዊ ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዝገብረኦ ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም፡፡

እቶም ሚኒስትር÷ መሓዙት ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚን ዓውዲታት ዝጀመረቶ ሓዱሽ ከይዲ ለውጢ ንኽሕግዙ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment