ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ዳግመ ምጥያሽ ኣድሂቦም ምስ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣብ ፕሮጀክት ዳግመ ምጥያሽ ኣድሂቦም እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምስ ዝምልከቶም ሚኒስትራትን ሚኒስትር ዲኤታታትን ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ብሴክሬታሪያት ዳግመ ምጥያሽን መዳርግቲ ኣካላትን ዝተፀንዐ ኣብ ጎንፂ ዝነበሮማ ከባቢታት ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት በቢዓውዱ ቀሪቡ፡፡

ብምዃኑ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝርዝር ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ዳግመ ምጥያሽ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ÷ ዝርዝር ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት እቲ ዳግመ ምጥያሽ ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢን መዳግቲ ኣካትን ዕላዊ ከምዝግበር ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝለዓለ ብፅሒት ዘለዎም ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ማይን ኢነርጂን፣ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት ቀጥታ ተሳትፎ ዘለዎም ካልኦት ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ብዙሕ ስራሕ ስለዝፅበዮም ዓቕሚ ኣፈፃፅማኦም ንኸጠናኽሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ማይን ኢነርጂን፣ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ካልኦት ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ÷ ብመንፅር ተሳትፎኦም ኣብቲ ፕሮጀክት ክካተቱ ኣለዎም ዝበሉዎም ሓሳባት ከም እታወት ኣቕሪቦም፡፡

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ትኩረት ክወሃቦ ምሕታቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment