ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ኮይኖም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ብምዃን ተመሪፆም።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪካ/ሴካፋ/ ፕሬዚዳንትታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ እተን ሃገራት ዝተሳተፍሉ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ኡጋንዳ፣ ካምፓላ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።

ብመሰረት እዚ ንቐፀልቲ ኣርባዕተ ዓማውቲ ነቲ ሴካፋ ዝመርሑ ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን ተመሪፆም ኣለዉ።

ስለዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ኮይኖም ተመሪፆም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ታኒዛኒያ ዋለስ ካሪያ ድማ ፕሬዚዳንት ሴካፉ ብምዃን ከምዝተመረፁ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment